“ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ን90% ናይቲ ዘሰሓሕባን ጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ተሰማሚዐናሉ’የን።” ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ

Radio Erena: 09 December 2020

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ን90 ሚእታዊት ናይቲ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ምስ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ከምዝኸኣላ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣል ኣሕራም ኣቃሊሓ።

እቶምዝተረፉ ጉዳያት ድማ፣ ብዘተ፣ ምምኽካርን ፖለቲካዊ ውሳኔን ክፍትሑ ከምዝክእሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።

መርገጺ ሱዳን ኣብዚ ጉዳይ ንጹር’ዩ ዝበለ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ሃገሩ ኣብ ዘተን ምዕሩይ ኣጠቓቕማ ከምእትኣምን ኣረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ፍረ ከምዘይተረኽቦ ዝጠቀሰት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክካየድ ተመዲቡ ካብ ዝነበረ ስሉሳዊ ዘተ፣ ገዛእ ርእሳ ከምዝገለለት ይዝከር።

ብኣመሪካን ባንክ ዓለምን ተማእኪሉ ዝተበገሰ ዘተ ኣብ ጉዳይ ናይል፣ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስሓባ ፈሺሉ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ዘተ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ውግእ ትግራይ ተጸሚዳ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ናይል ቀዳማይ ኣጀንዳኣ ከምዘይኮነ’ዮም ፖለቲከኛታት ዘረድኡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0