ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ካብ ንግዳዊ ባንክ ዝተለቀሖ ዕዳ፣ ስግኣት ይፈጥር

Radio Erena: 18 August 2019

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ንግዳዊ ባንክ ሃገሩ ተለቂሑዎ ዘሎ ገንዘብ ነቲ ባንክ ዓቢ ስግኣት ኮይኑዎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ንመንግስቲ’ታ ሃገር 412.5 ቢልዮን ብር ኣለቂሑዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓመታዊ 25 ቢልዮን ብር ጥራይ ክኸፍል ምጽንሑ፣ እዚ ከኣ ወለድ ናይቲ ልቓሕ ጥራይ ምዃኑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ 386 ቢልዮን ብር ካብቲ ዝወሰዶ ለቓሕ ንመንግስታውያን ትካላት ከምዝዓደሎ ዝገለጸ እቲ ንግዳዊ ባንክ፣ ከም ዲጋ፣ ፋብሪካታት ሽኮር፣ መንገዲ ባቡር፣ በዓል መዚ ኤለክትሪክ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንምምዋል ከምዝተጠቕመሉ ሓቢሩ።
እንተኾነ ዝበዝሐ ካብቲ ዝተመወለ ፕሮጀክታት ኣብ መፈጸምታ ብዘይምብጽሑ፣ ፋይናንስያዊ ኣታዊ ከኻዕብት ስለዘይከኣለ ነቲ ንግዳዊ ባንክ ስግኣት ፈጢሩሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ንንጥፈታት ንግዳዊ ባንክን፣ ባንክ ልምዓትን’ታ ሃገር እተጻርይ ፍልይቲ ኮሚቴ ከምዘቖመ ዝዝከር እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0