ኢትዮጵያ፣ ሕማም ሸሮኽ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ሸሮኽ ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞን ሶማልን ከምኡ ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባን’ዩ ተራእዩ ዘሎ።

ዛጊት ኣብ ክልል ኣምሓራ 14 ሰባት፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ድማ ሓደ ሰብ ከምዝሞቱ ዘመልክተ እቲ ኢንስቲትዩት፣ ኣብ ኣርባዕቲ ክልላት፣ ብድምር ልዕሊ 390 ሰባት ተጠቒዖም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ፣ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእዮም ብውሕዱ 13 ሰባት ሕክምናዊ ረዲኤት ተጌርሎም ኣሎ።

እቲ ሕማም ብዝበኣሰ ከየስፋሕፍሕ፣ ዝያዳ ንሸሮኽ ዝተቃልዓ ዓድታት ዝውዕል ልዕሊ 700 ሽሕ ክታበት ተኣታትዩ ከምዘሎ’ውን ነቲ ኢንስቲትዩት ብምጥቃስ ዘ ሪፖርትር ሓቢሩ።

ሸሮኽ፣ ብሰንኪ ርስሓትን ኣከባቢን ጽሬቱ ዘይሓለወ ማይን መግቢን ዝስዕብ ኮይኑ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቀሊሉ ዝመሓላለፍ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም’ዩ።

እዚ ሕማም ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ፣ ጸጸኒሑ ክላባዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0