ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 60 ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ኮማንዶ፣ ካብ 4 ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 60 ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ኮማንዶ፣ ካብ 4 ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም

Radio Erena: 16 December 2018

ethi_comandosብጉዳይ ወሰኽ ደሞዝን ናይ መነባብሮ ፍታሕን ንምዝርራብ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝመረሹ ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ኮማንዶ፣ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 14 ዓመት ዝጸንሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተበዪኑሎም።

66 ካብ’ቶም ኣባላት ሰራዊት፣ ክሳብ 14 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነሎም እንከሎ፣ እቶም ዝተረፉ ከባቢ 200 ዝኾኑ ከኣ ምምሕዳራዊ መቕጻዕቲ ክምዝተበየነሎም፣ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ ቤት ፍርድን ነዚ መግለጺ’ዚ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ዝተረኽቡ ልዕሊ 500 ኣባላት ሰራዊት፣ ብውሳኔ’ቲ ቤት ፍርዲ ዝተሰሞዖም ዘይዕጋበት ገሊጾም።

እቶም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርዱ ኣባላት ኮማንዶ፣ ታጠቅ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ክቕየዱ ምዃኖም ወተሃደራውያን ኣፈኛታት ኢትዮጵያ ገሊጾም።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0