ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍትን ነበር ብክሲ ብልሽውና ይእሰሩ

ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍትን ነበር ብክሲ ብልሽውና ይእሰሩ

Radio Erena: 14 November 2018

General Kinfe

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሓለፍትን ናይቲ ብሜቴክ ዝፍለጥ መንግስታዊ ትካል ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ብክሲ ብልሽውና ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝመሓላለፍኦ ዜና፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ዝነበረ ጀነራል ክንፈ ዳኘው፣ ናብ ሱዳን ንምስጋር ኣብ ዝፈተነሉ፣ ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ ጠቒሰን።

ኣቐዲሙ’ውን 10ታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነበርን ሓለፍትን ናይቲ፣ ኣብ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑን ካልእ ኣብ ኢንዱስትዊ መዓላታት ዘገልግል ናውትን ዘቕርብ ፣ መንግስታዊ ትካል ሜቴክ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም መብዛሕቶም ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም ዝግለጽ ዘሎ ናይ ቀደም ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበር ንምቕያዶም ተበግሶታት ይወስድ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ምስ ብልሽውናን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተሓሓዝ ንሓያሎ ተወላዶ ትግራይ ዝነበሩ ሓለፍቲ ይኸስስ እኳ እንተሎ፣ እቲ ክሲ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎን ንኢትዮጵያ ናብ ተወሳኺ ናይ ብሄር ግጭታት ዘእቱን ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት የረድኡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0