ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ኣብዚ ቀረባ ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ

ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ኣብዚ ቀረባ ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena : 10 June 2015

Dji Ethi Tr

ካብ ጅቡቲ ክሳብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ክዛዘም ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ነቒሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ 752 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር፣ ናይ መዛዘሚ ሓዲድ ኣብ ዝንበረሉ፣ ቀዳምይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ክርከቡ ምዃኖም’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ምህናጽ እዚ መንገዲ ባቡር ኣብዚ ዝመጽእ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ካብ ጅቡቲ ዝተበግሰት ባቡር ፈላሚ ጉዕዞኣ ኣብ ወርሒ ትቕምቲ ከተካይድ ትጽቢት ኣሎ።

 

ኣቐዲሙ ክልተ መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ናይ ባቡር ኣገግልግሎት ኣዲስ ኣበባ ጅቡቲ፣ እዚ ሓድሽ መንገዲ ባቡር ድሕሪ ምጅማሩ ግና ናብ 10 ሰዓታት ክወርድ’ዩ።

እቲ ብመንግስቲ ቻይና ተመዊሉ ብቻይናውያን ኩባንያታት ዝተሃንጸ መንገዲ ባቡር፣ ነታ ወደብ ጅቡቲ ከም ኣውራ ኣፍደገ ሰደድን – እታውን እትጥቐመሉ ኢትዮጵያ፣ ንዝነበረ ናይ ጽዕነት መካይን ምጭንናቕ ከወግደላ ምዃኑ’ውን ይንገር።

=========================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0