ኢትዮጵያን ሕ/ ኢማራት ዓረብን፣ ፖለቲካዊ ምምኽኻር ክገብራ ዘኽእል መዘክር ከቲመን

ኢትዮጵያን ሕ/ ኢማራት ዓረብን፣ ፖለቲካዊ ምምኽኻር ክገብራ ዘኽእል መዘክር ከቲመን

Radio Erena: 09 March 2018

ethiopia

ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓድሕደን ክመኻኸራ ዘኽእል መዘክር ከምዝኸተማ ኣገልግሎት ዜና ኢማራትስ ኣፍሊጡ።

እቲ መዘከር ዝተኸተመ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሸኽ ዓብዱላ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ነቲ ልኡኽ ዝተቀበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሃገሩ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ብዙሕ ጽላታት ክትተሓጋገዝ ከምእትደሊ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም ሚኒስተራት ብ8 መጋቢት ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ ጉዳያት መጓዓዝያ ኣየር፣ ናይ ስራሕ ዕድላትን ካብ ናብን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝግብር መገሻታት ቪዛ ዝስረዘሉ ተኽእሎታትን ከምዝተመያየጡ’ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፣ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዜጋታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣስታት 11 ቢልዮን ብር ወፍሪ ከምዘለዎም ጸብጻባት ካብ ኣዲስ ኣበባ የመልክቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0