ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ወተሃደራዊ ዝምድናአን ከሐዪላ ተሳማሚዐን

Radio Erena: 22 September 2019

ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ንዝጸንሐን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ብዝለዓለ መልክዑ ክቕጽሎኦ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ማዕከናት ዜና ኣቡ ዳቢ ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ምሕዳስ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያዊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ኣደም መሓመድ፣ ምስ መዘንኡ ለተናል ጀነራል ሓማድ መሓመድ ታኒ ኣልሩማይቲ ናይ ኢማራት ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ናይ ኢማራት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካዪደሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፣ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ድሕሪ ምግምጋም፣ ንዝቕጽል ዓመታት ብዝሓየለ መልክዑ ክዓዝዝ ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ሰነ 2018 ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ኣብ ወርሑ ናብ ኣቡዳቢ ብምኻድ ምስ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ዝርከቦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ርክብ ምክያዱ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣቡ ዳቢ ንኢትዮጵያ ብመልክዕ ወፍርን ሓገዝን 3 ቢልዮን ዶላር ክትልግስ እንከላ፣ ብውሑዱ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከኣ ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ብምቕማጥ፣ ንሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ’ታ ሃገር ከተቃልል ከምዝተማባጸዐት ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0