ኢራን ምስ ኤርትራ ዝምድና ከተደልድል ከምእትደሊ ገሊጻ

Radio Erena: 27 September 2022

ኢራን ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ከተደልድል ከምእትደሊ ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፣ ብ25 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍ ዘሎ ሚኒስተር ሑሰን ኣሚር ዓብዶላህያን፣ ምስ ኤርትራዊ መዘንኡ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ጎኒ ጎኒ’ቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉባኤ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ፕረዚደንት ኢራን፣ ኢብራሂም ራይሲ፣ ንንጡፍ ግደ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተገዳስነት ከምዝከታተሎ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኤርትራን ኢራንን፣ ክብን ለጠቕን ዝብል ዝምድና እኳ እንተጸንሐን፣ ድሕሪ ምውላዕ ኵናት የመን ኣብ 2015 ግና ዛሕቲሉ’ዩ ዝርከብ።

ኤርትራ፣ ምስ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ብምዃን ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ክትስለፍ እንከላ፣ ኢራን ድማ ብኣንጻሩ ንሑቲ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ደገፍ ከምእትገብረሉ ይግለጽ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0