ኢማራት፣ ኣብ ሶማሊላንድ ዝወጠነቶ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ጠቕሊሉ ከምዝተሰረዘ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 March 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክትሃንጾ ዝወጠነ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝተሰረዘ ማዕከን ዜና ጋሮወ ሓቢሩ።

እቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ክህነጽ ዝጀመረ፣ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቦ መዓስከር፣ ናብ ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ከምዝውዕል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ቢሐ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ ንሱ፣ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ጠቕሊሉ ከምዝተሰረዘ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ንወድብ በርበራ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ምስ ኢትዮጵያ ብምሽራኽ ን30 ዓመታት ብመልክዕ ክራይ ከተመሓደሮ ዝወጠነት ሕቡራት ኢማራት፣ ንዝወጠነቶ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስክክከር ትስርዘሉ ዘላ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ዝምድና ኢማራትን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣብዚ እዋን’ዚ ጽቡቕ ከምዘየለ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኢማራት ዘቛረጸቶ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ብሩስያ ክትትክኦ’ያ እናተባህለ ይዝረብ እኳ እንተሎ፣ ሩስያ ሓቕነት ከምዘይብሉ’ያ ትጠቅስ።

ዓበይቲ ሃገራት ዓለምና፣ ህላወ ወትሃደራዊ ሓይልታትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዘስፍሓሉ ዘለዋ እዋን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን፣ ምስ ናይ የመን ኵናት ተተሓሒዙ ካብ 2015 ኣብ ኤርትራን ሶማሊላንድን መዓስከራት ክትከፍት’ያ ተራእያ።

እንተኾነ እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሎጂስቲክን ወትሃደራዊ ስርሒታትን እትጥቀመላ እንኮ ሃገር፣ ኤርትራ ጥራይ ኮይና ኣላ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0