ኢህወደግ ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ-መንበሩ ክኸውን መሪጽዎ

ኢህወደግ ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ-መንበሩ ክኸውን መሪጽዎ

Radio Erena: 29 March 2018

abiy ahmeኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐ ጽዑቕ ኣኼባ፣ ንዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ ኣቦ መንበሩ ክኸውን መሪጽዎ።

ዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ፣ ኣቐዲሙ ኣቦ መንበር ናይቲ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መላፍንቲ ኢህወደግ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኦሮሞ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ዝዝከር’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣቦ መንበር ኢህወደግን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብታ ሃገር ንተኸታታሊ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ናዕብን ተቓውሞን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክሰናበት ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

ንቦታ እቲ ኣቦ መንበርነት ኢህወደግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ንምትካእ፣ ወከልቲ ህወሓት፣ ደሞክራስያውያን ሰልፍታት ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ከምኡ ድማ ደቡብ ህዝብታት ኣብ ዘተን ክትዓትን ከምዝቐነዩ ይፍለጥ።

ብመሰረት ቅዋም ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብኣባላት ባይቶ እታ ሃገር’ዩ ዝምረጽ።

ኢህወደግ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ዓብላሊ መናብር ስለዘለዎ፣ ኣቦ መንበር እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናይ ምዃን ዝልዓለ ተኽእሎ ኣለዎ።

ወዲ 42 ዓመት መንእሰይ ዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ፣ ክሳብ ናይ ሌተናት ኮለነል ማዕረግ ዝበጽሐ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር’ዩ።

ንሱ ኣባል ናይቲ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብ ርዋንዳ ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምንባሩ’ውን ሰነዳቱ የመልክት።

ባይቶ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣኼባ ብምክያድ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመርጽ ትጽቢት ይግበር።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0