ኡጋንዳ ኣብ ሶማል ካብ ዝርከብ ገለ ክፋል ሰራዊታ ከተውጽእ ጀሚራ

ኡጋንዳ ኣብ ሶማል ካብ ዝርከብ ገለ ክፋል ሰራዊታ ከተውጽእ ጀሚራ

Radio Erena: 08 December 2017

uganda

ኡጋንዳ ኣብ ሶማል ካብ ዝርከብ ሰራዊታ ንገለ ክፋሉ ከተውጽኦ ከምዝጀመረት ተሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቑፈ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ዘላ ኡጋንዳ፣ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ ብሓደ ሽሕ ከተጉድሎ ምዃና’ያ ሓቢራ።

እንተኾነ ክሳብ 31 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣስታት 300 ጥራይ ንምውጻእ’ያ ወጢና ዘላ።

እቲ ዝተረፈ ብዝሒ ድማ ኣብ ዝቀጸሉ ኣዋርሕ ከተስዕቦ ምዃና ትገልጽ።

ኡጋንዳ ገለ ክፋል ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ትስሕብ ዘላ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ቀስ ብቀስ ነታ ሃገር ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ከተኣታቱ ንምዕዳም’ዩ።

ካብ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ብሩንዲን ሰራልዮንን ዝተዋጽኡ ኣስታት 30 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0