ኡጋንዳ፣ ዶብ ሰጊሮም ኣትዮም ብዝብል ሒዛቶም ዝጸንሐት 15 ወትሃደራት ደቡብ ሱዳን ፈቲሓ

Radio Erena: 14 January 2021

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ዶብ ሰጊሮም ኣትዮም ብዝብል፣ ሒዝዎም ዝጸንሐ 15 ወትሃደራት ደቡብ ሱዳን ከምዝፈትሐ ኣፍሊጡ።

እቶም ወትሃደራት፣ ቅድሚ ክልተ ወርሒ፣ ዶብ ኡጋንዳ ሰጊሮም፣ ኪቲጉምን ላምዎን ናብ ዝተባህለ ከባቢታት ድሕሪ ምእታዎም፣ ብሰራዊት ኡጋንዳ ተኸቢቦም ከምዝተታሕዙ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኡጋንዳ፣ ነቶም ወትሃደራት ትማሊ ረቡዕ 13 ጥሪ ድሕሪ ምፍትሓ፣ ሰበ ስልጣን ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ብዛዕባ ኣብ ዶብ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ብዝምልከት ተመያይጦም።

ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ልዕሊ ኡጋንዳውያን ዘብጽሕዎ ዘለዉ ጉድኣት እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣዛዚ ሰራዊት ኡጋንዳ ብርጋዴር ዊልያም ባርዮሙጊሻ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዘሎ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ክትእክብ ተማሕጺኑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0