ኡጋንዳ፣ ክልተ ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተኣሲሮም

Radio Erena: 05 November 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ነቲ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ ክብድሁ ይኽእሉ’ዮም ዝተባህሉ ክልተ ሕጹያት ተወዳደቲ ተኣሲሮም።

ህቡብ ደራፋይ፣ ወዲ 38 ዓመት ቦቢ ዋይን፣ ሓደ ካብቶም፣ መንእሰያት ኡጋንዳ ቆላሕታ ዘንበርሉ ሕጹያት ኮይኑ፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንምስታፍ ሕጋዊ ቅጥዒ መሊኡ፣ ብመኪና እናተመልሰ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሩ።

ፖለቲከኛ ፓትሪክ ኣሙሪያት ብወገኑ፣ ኣብ ካምፓላ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ፣ ብፖሊስ ተወሲዱ ከምዝተኣስረ ዝወከሎ ሰልፊ፣ መድረኽ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብትዊተር ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ሕጹያት ተወዳደርቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብፖሊስ ካብ ዝተታሕዝሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ዘመልከታ መርበባት ሓበሬታ ኡጋንዳ፣ ዝኾነ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይተመስረተሎም ጠቒሰን።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ዕድመ ንፕረዚደንት ናይ ዝወዳደር ዜጋ እታ ሃገር ዝግድብ ቅዋም ብምልዋጥ’ዩ፣ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንመበል 5 ግዜኡ ንምውድዳር ዝዳሎ ዘሎ።

ወዲ 76 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ተዓዊቱ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን እንተጸኒሑ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ተባሂሉ፣ ብዕድመ ስልጣን ክብረ ወሰን ክሕዝ’ዩ።

ብዘይዝኾነ ምርጫ ን29 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ እዋን’ዚ ንፕረዚደንት ሙሴቬኒ ስዒቡ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ንዝበዘሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0