ኡጋንዳ፣ ንምእሳር ካልኣይ ግዜ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ቦቢ ዋንይ ስዒቡ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ ብውሕዱ 16 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 November 2020

ኡጋንዳ፣ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ሙሴቬኒ ክብድህ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ሕጹይ ተወዳዳሪ፣ ኣብ ውስጢ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ እዋኑ ድሕሪ ምእሳሩ፣ ኣብታ ሃገር ተቓውሞም ናዕቢን ተጎሃሂሩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ካምፓላን ካልኦት ከተማታትን ዝተጎሃሃረ ናዕቢ፣ ብውሕዱ 16 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓያሎ ቆሲሎም ኣስታት 100 ድማ ተኣሲሮም። ዝተቓጸከ ትካላት ኣሎ።

እቲ ናዕቢ ዝተጎሃሃሀር፣ ጎስጓስ ንዘካይድ ዝነበረ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት፣ ቦቢ ዋይን፣ ፖሊስ ካብ ማእከል ህዝቢ ኣሲሮም ድሕሪ ምውሳዶም’ዩ።

ፖሊስ ኡጋንዳ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ፣ ምስ መምርሒታት ምግትእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ጠቒሱ ኣሎ።

ህቡብ ደራፋይ፣ ወዲ 38 ዓመት ቦቢ ዋይን፣ ሓደ ካብቶም፣ መንእሰያት ኡጋንዳ ቆላሕታ ዘንበርሉ ሕጹያት ተወዳዳሪ ፕረኢደንት ኡጋንዳ’ዩ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ዕድመ ንፕረዚደንት ናይ ዝወዳደር ዜጋ እታ ሃገር ዝግድብ ቅዋም ብምልዋጥ፣ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንመበል 5 ግዜኡ ክወዳደር’ዩ።

ወዲ 76 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ተዓዊቱ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን እንተጸኒሑ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ተባሂሉ፣ ብዕድመ ስልጣን ክብረ ወሰን ክሕዝ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0