ኡጋንዳ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ክታበት ከተፍሪ ምዃና ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ገሊጹ

Radio Erena: 30 June 2021

ናይ ገዛእ ርእሳ ክታበተ ኮረና ቫይረስ ከተፍሪ ምዃና ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣፍሊጡ።

እቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝፈሪ’ዩ ዝበሎ ክታበት፣ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክዝርጋሕ ምዃኑ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጠቒሱ።

ንኣስታት 21 ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክትህብ ዝመደበት ኡጋንዳ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ኣስታት 3% ካብ ህዝባ ጥራይ’ዩ ተኸቲቡ።

ልዕሊ 40 ሽሕ መልከፍት ኮረና ቫይረስን334 ሞትን መዝጊባ ዘላ ኡጋንዳ፣ ን42 መዓልታት ዝጸንሐ ኣብ ዳግማይ ዕጽዋ’ያ ትርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኡጋንዳ፣ ባህላዊ መድሃኒት ጸረ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኣገልግሎት ፍወሳ ክውዕል ከምዝተወሰነ ንሃገራዊ በዓል-መዚ መድሃኒታት ብምጥቃስ መርበብ ዜና ኢንደፐንደት ካብ ካምፓላ ሓቢሩ።

ነቲ መድሃኒት ዝመሃዘ፣ ፕሮፌሰር ኡንግዌ ኦግዋንጋ፣ እቶም ዝተጠቕምሉ ሰባት እወታዊ ውጽኢት ከምዝሃቦም እኳ እንተሓበሩ፣ ተወሳኺ መጽናዕቲን ናይ ላባራቶሪ ፈተናታትን ከምዘድልዮ ብምጥቃስ፣ ምወላ ክግበር ሓቲቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0