ኡጋንዳ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ዝተጠርጠሩ ክልተ ኬንያውያን ተቐይዶም

ኡጋንዳ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ዝተጠርጠሩ ክልተ ኬንያውያን ተቐይዶም

Radio Erena: 23 February 2018

uganda

ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ዝጠርጠሮም ክልተ ኬንያውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ማዕከን ዜና ደይሊ ኔሽን ሓቢራ።

ኣብ መኪና ዝተጻዕኑ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ክልተ ኣወዳትን ክልተ ደቂንስትዮን ካብ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምእታዎም፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኢጋንጋ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ከምዝሓዞም ዝገለጸ ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ድሒሩ ብዘካየዶ ምጽራይ፣ እቲ መራሕ መኪናን ኣዋፋሪኡን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተዋፈሩ ምንባሮም ከምዘረጋገጸ ኣመልኪቱ።

እቶም ክልተ ጥርጡራት፣ ኣብ ጂንጃ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ፣ እቶም ዝኾነ ሰነድ ዘይጸንሖም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምህዳም ኣብ ኡጋንዳ ምስ ዝርከቡ ስድራቤቶም ብምጽንባር ዑቕባ ክሓቱ ከምዝደልዩ ከምዝገለጹ እቲ ናይ ፖሊስ ሓበሬታ የነጽር።

ብደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ርዋንዳን ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ድማ ብመንገዲ ግብጺ ወይ ዱባይ ናብ ኡጋንዳ ዝኣተዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኡጋንዳ፣ ንስደተኛታት ዝወሃብ ወረቐትን መንበሪ ፍቓድን ብብልሽውና ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ብዝብል ምኽንያት፣ እታ ሃገር ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዛ ምጽራይን ዳግመ ምዝገባን ስደተኛታት ተካይድ ከምዘላ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0