ኡጋንዳ፣ ቤት ጽሕፈት ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ካምፓላ ተዓጽዩ

Radio Erena: Tuesday,08 August 2023

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ካምፓላ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ፍቓድ ከሐድስ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ክዕጾ ከምዝተወሰነት ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ክልተ ሓውሲ ከተማታት ንዝነበረ ቤት ጽሕፈት ወኪል ናይቲ ኮሚሽን ክሳብ 31 ሓምለ ክቕጾ እንከሎ፣ እቲ ናይ ካምፓላ ድማ ብቀዳም 06 ነሓሰ ተዓጽዩ።

ቤት ጽሕፈት ወኪል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኡጋንዳ፣ ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ንጥፈታት’ዩ ዝዕጾ ዘሎ።

ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት፣ ቮልከር ቱርክ፣ ምዕጻው ቤት ጽሕፈት ወኪሉ ኣብ ኡጋንዳ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ንፍቓድ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክሕድስ ዘይደለየሉ ምኽንያት ብወግዒ እኳ እንተዘይገለጸ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ንዘሕለፎ ውሳኔን እቲ ኮሚሽን ከቕርቦ ዝጸንሐ ወቐሳን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይጥቐስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ኮሚሽን፣ ን37 ዓመታት ንኡጋንዳ ዝመርሐ፣ ወዲ 78 ዓመት፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ኣብ ምርጫ ምድንጋራት ብምክያድን፣ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዕድመ ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዜጋ እታ ሃገር ንዝግድብ ዓንቀጽ ቅዋም ብምቕያሩን ክነቕፎ ጸኒሑ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0