ኡጋንዳ፣ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ናይ ዝተባህለ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ምጽራይ ይካየድ

ኡጋንዳ፣ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ናይ ዝተባህለ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ምጽራይ ይካየድ

Radio Erena: 20 March 2018

uganda police

ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ፣ ምባራራ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፣ ኣብ ሓደ መዕረፍ ኣጋይሽ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ናይ ዝተገልጸ፣ ሙሴ ወልደሃይማኖት ዝተባህለ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ጉዳይ የጻርዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ፣ ስሙ፣ ክታሙ፣ መሐበሪ ናይ ሽወደን ሶሻል ሰኩሪቲ፣ ኣድራሽኡን ቁጽሪ ቴሌፎኑን ዘለዎ ናይ ስንብታ ደብዳቤን ናይ ሽወደን ፓስፖርቱን ዝሓደገ ሙሴ፣ ኣብ ሓደ ካብ ክፍልታት ናይቲ መዕረፍ ኣጋይሽ፣ ብገመድ ተሓኒቑ፣ ተንጠልጢሉ ከምዝጸንሐ ንጸብጻብ ፖሊስ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ደይሊ ሞኒተር የመልክት።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ዝሓደጎ ናይ ስንብታ ደብዳቤ፣ ርእሰ ቅትለት ክፍጽም ከምዝወሰነ ድኣ’ምበር ስለምንታይ ንገዛእ ርእሱ ንሞት ከምዝፈረዳ ዝገልጽ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።

ፖሊስ ኡጋንዳ፣ እቲ ብ14 መጋቢት ሞይቱ ዝተረኽበ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ዜግነት ዘለዎ ሰብ፣ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ግምታቱ ሂብሉ እኳ እንተሎ፣ ሕጋውን ወግዓዊ መደምደምታን ንምሃብ ግና ሬስኡ ናብ መርመራ ተላኢኹ ከምዘሎ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ቦስኮ ሙታባዚ ኣገንዚቡ።

police

==========================

 

 

 

 

   

COMMENTS

WORDPRESS: 0