ኡጋንዳ፣ ምጽራይ ሰነድን ዳግመ ምዝገባን ስደተኛታት ይካየድ

ኡጋንዳ፣ ምጽራይ ሰነድን ዳግመ ምዝገባን ስደተኛታት ይካየድ

Radio Erena: 15 February 2018

 uganda refugeeመንግስቲ ኡጋንዳ ምጽራይ ሰነዳትን ዳግመ ምዝገባን ስደተኛታት የካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ስደተኛታት ደጊሞም ክመዝገቡን ናይ ምጽራይ መስርሕን ዘካይድ ዘሎ፣ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ምስ ጉዳይ ምዝገባ ብዝሒ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ብልሽውና ከምዝፈጸሙ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ምትሕሓዝ ዝጸንሖም ኣርባዕተ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ድሮ ካብ መዝነቶም ከምዝተኣልዩ ዝሓበረ ቢቢሲ ብወገኑ መርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ናይ ብልሽውና መስርሕ ኣባላት ላዕለዎት ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ፣ መንግስቲ ኡጋንዳ የጻርዮ ከምዘሎ ይገልጽ።

ኣብ ኡጋንዳ መብዛሕቶም ዜጋታት ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝኾኑ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ንብልሽውና ክጥዕም ተባሂሉ በቶም ሰበ ስልጣን ዝነሃረ ክኸውን ከዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ ምስ ስደተኛታት ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ዝሰርሑ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ፣ ንናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድን ካልእ ሰነዳትን ክሸጡ ከምዝጸንሑ ምስዚ ተኣሳሲሩ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ብኸምዚ ኣገባብ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ስለዘለዉ፣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምጽራይን ዳግመ ምዝገባን ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ካብ ካምፓላ ይጠቕሱ።

እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2018 ዝጀመረ መንበሪ ፍቓድ ስደተኛታት ናይ ምጽራይን ዳግመ ምዝገባን መስርሕ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ክቕጽል’ዩ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0