ኡጋንዳ፣ ልዕሊ 200 እሱራት ካብ ሓለወቶም ካላሽን ብምምንዛዕ ሃዲሞም

Radio Erena: 18 September 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 219 እሱራት፣ ካብ ሓለውቶም ጠበናጁ ብምምንዛዕ ክሃድሙ ክኢሎም።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ነቶቶ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኡጋንዳ፣ ዞባ ሞሮቶ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙ እሱራት ንምህዳን ሰራዊት ኣዋፊሩ ኣሎ።

እቶም እሱራት፣ ካብ ሓለውቶም ጠበናጁ ብምምዛዕ፣ ብረቡዕ 16 መስከረም ናብ በረኻታት ክሃድሙ እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ሓደ ፖሊስን ክልተ ካብ እሱራትን ከምዝሞቱ ጸብጻብ ፖሊስ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ንሳቶም፣ እንዳ ዋርድያ ብዝሒ ፖሊስ ከምዘይብሉ ምስ ረኣዩ፣ ንዝነበረ ሓደ ዋርድያ ብብዝሒ ዓብሊሎም፣ 15 ዝኸውን ካላሺንን ካልእ ጠበናጁን ወሲዶም፣ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ’ዩ ተመልኪቱ።

ኡጋንዳ፣ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ምዕጻው ካብ ዝኣወጀትሉ፣ እሱራት ብእኩብ ክሃድሙ እዚ ንሳልሳይ እዋኑ’ዩ።

ኣብያተ ማእሰርቲ ኡጋንዳ፣ ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ዘቃልዕ ኩነታት ከምዘለዎ እሱራት ከማርሩ ምጽንሖም’ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይጠቕሳ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0