ኡጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ዕዳኣ ካብ ቻይና ኣጽዋር ሸሚታ

Radio Erena: 24 December 2021

ኣብ ኡጋንዳ ብፍላይ ድማ ከተማ ካምፓላ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘይንቡር መጥቃዕትታት ቦምብ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝገበሩ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ዝወሰዱ ዕጡቓት ሓይልታት መጥቃዕቲ ከካያድ ጀሚሩ ኣሎ።

እቶም ነቲ ናይ ቦምብ መጥቃዕትታት ዘካየዱ ንገዛእ ርእሶም ኪዳን ሓይልታት ዲሞክራሲ ADF ዝጽውዑ ኮይኖም ኣብ ጫካታት ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝዓረዱ እዮም።

መንግስቲ ኡጋንዳ ነቶም ዕጡቓት ሓይልታት ንምድምሳስ ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ፍቓድ ወሲዱ ናብ ውሽጢ እታ ሃገር ብምእታው እዩ መጥቃዕትታት ዘካይድ ዘሎ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ነዚ መጥቃዕትታት ንምክያድ ዝሕግዞ ኣጽዋር ‘ኖሪንኮ’ ካብ ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ብልቓሕ ከምዝዓደገ ተፈሊጡ።

እቲ ድሩዓት መካይንን ዘጠቓለለ ኣጽዋር ዝተኸፍሎ ናይ ዕዳ ዋጋ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተገልጸ ኣስታት 250 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል ‘ዘ ኢንደፐንደንት’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሑ።

ኡጋንዳ ጸጥታኣ ንምሕላው ኣጽዋር ክትሽምት ንቡር’ኳ እንተኾነ ብልቓሕ ዝተዓደገ ምኳኑ ግን ንሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ኣቖጡዑ ኣሎ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኡጋንዳ ኣቐዲማ ቢልዮናት ዶላራት ካብ ቻይና ተለቂሓ ምህላዋን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣስታት 207 ሚልዮን ዶላር ልቓክ ክትመልስ ብዘይምኽኣላ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንቴበ ብቻይና ክመሓደር እዩ ዝብል ጽንትታታት ኣብ ዝስመዓሉ ዘሎ ግዜ እዩ።

ኣብ 2015 ኡጋንዳ ካብ ‘ዢም’ ዝተባህለ ባንኪ ቻይና ኣስታት 207 ሚልዮን ዶላር ብምስጢር ተለቂሓ ኔራ፡ እቲ ዝተለቅሓቶ ገንዘብ ድማ ኣብ ምስፋሕን ምምዕባልን ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኣውዒላቶ፡ ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንምስፋሕ ኮንትራት ዝወሰደ ድማ ቻይናዊ ኩባንያ ኔሩ።

እቲ ናይ ልቓሕ ስምምዕ ብምስጢር ዝተገብረ ብምንባሩ ክንደይ እዩ ወለዱ ኣብ ክንደይ ዓመት ከ ክምለስ ኣለዎ’ውን ዝፍለጥ ነገር የለን፡ እንተኾነ ቻይና ከተለቅሕ እንከላ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሕግታት ከምእትኽየድ ዝግለጽ ኮይኑ ኣብ ሕግታታ ድማ ወላ’ውን ልኡላዊ ይኹን ንብረት ምውራስ ዝብል የጠቓልል።

ኡጋንዳ ብድምር ልዕሊ 17 ቢልዮን ዶላር ካብ ቻይና ተለቂሓ ኣላ፡ እዚ ድማ ኣስታት 50 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶታ እዩ፡ ሰለስተ ቢልዮን ካብዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝመጽእ 10 ዓመት ናይ ግድን ክትከፍሎ ኣለዋ።

ኡጋንዳ ልቓሕ ኣብ ልዕሊ ልቓሕ ተዋህልል ብምህላዋ፡ ንልኡላውነታ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ምኳኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይገልጹ። ምኽንያቱ ቻይና ልቓሕ እንተዘይተመሊሱ ልኡላዊ ዋንነት መንግስቲ ክትወርስን ከተመሓድርን ስለ እትኽእል።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0