ኡጋንዳን ኬንያን፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ገያሾ ብጽኑዕ ይከታተላ

ክፍልታት ኢምግሬሽን ኡጋንዳን ኬንያን፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ገያሾ ብጽኑዕ ይፍቱሽን ይከታተሉን ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።
ክፍልታት ኢምግሬሽን እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ገያሾ ብጽኑዕ ዝከታተሉን ዝፍትሽሉን ምኽንያት፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ኩነታት ብምዝድማድ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ኤርትራ፣  ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት፣ ዜጋታት ፓስፖርትን መውጽኢ ቪዛን ክወሃቦም መሰል ከምዘየብሎም ክፍሊ ኢምግሬሽን ኬንያን ኡጋንዳን ዝፈልጥዎ ኮይኖም፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብፓስፖርት ዝመጹ ዜጋታት ኤርትራ ድማ ብዙሕ እምነት ከምዘየብሎም ዝተወከስናዮም ኤርትራውያን የረድኡ።
ኬንያን ኡጋዳን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ሶማል ይድግፍ’ዩ ኣብ ዝብል ውሳኔ ድሕሪ ምብጽሖም፣ ብፍላይ ኬንያ ብፓስፖርት ንዝንቀሳቐሱ ኤርትርውያን ስግኣታት ክሓድራ ጸኒሑ’ዩ።
ኬንያ ብሰንኪ እዚ ምኽንያት እዚ፣ ኣብ ስለያን ዕጡቓት ሶማል ኣብ ምድግጋፍን ኢድ ኔርዎም ዝብል ጥርጣረ ዘሕደረትሎም ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ናብ ኤርትራ ከምዘባረረቶም ኣይርሳዕን።
ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝስርሓሉ ናይ ኢምግሬሽን ኣካይዳ፣ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን መእትውዊ ቪዛ ዘየድሊ እኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ግና እዘን ሃገራት ንኸም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት መእተዊ ቪዛ ክሓታ ተኽእሎ ምህላዉ’ውን ይጠቐስ’ዩ።
እንተኾነ እቲ ዝበዝሐ ናብዘን ሃገራት ዝኣቱ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ዶባት እናቛረጸ ብሱዳን- ጁባ- ካምፓላ ወይ ድማ ኢትዮጵያ-ሞያለ- ናይሮቢ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0