ኡጋንዳን ርዋንዳን ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድንኣን ንምሕዳስ ሎሚ ስምምዕ ክኽትማ’የን

Radio Erena: 21 February 2020

ፕረዚደንታት ኡጋንዳን ርዋንዳን ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ዳግም ንምሕዳስ፣ ሎሚ ዓርቢ 21 ለካቲት ስምምዕ ክኽትሙ’ዮም።

ኣብቲ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝርከብ ካቱና-ጋቱና፣ ዝካየድ ዝምድና ናይ ምሕዳስ ጽምብል፣ መራሕቲ ኣንጎላን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን’ውን ክርከቡ’ዮም።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒን ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመን፣ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኣንጎላ ዣዎ ሎረንሶ፣ ኣብ ከተማ ሉዋንዳ ሰለስተ እዋን ንናይ ዕርቂ ዘተ ከምዝተራኸቡ ዝዝከር’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ግንቦት 2019 ክልቲኦም መራሕቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ዴሞክራስያዎት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ፈሊክስ ትሺሰድኪ ተመሳሳሊ ርክብ ኣካይዶም’ዮም።

ተቓወምቲ ሓድሕዶም ብምድጋፍ ክወቓቐሱ ዝጸንሑ መራሕቲ ኡጋንዳን ርዋንዳ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ናብ ዶብ ምዕጻው’ዮም በጺሖም።

ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ድማ ካብን ናብን ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ሕጋዊ ንግድን ምምልላስ ሰባትን ደው ኢሉ ጸኒሑ።

ብመንጎኝነት መራሕቲ ኣንጎላን ኮንጎን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ዘተ፣ ኡጋንዳ ከም መርኣያ ጽቡቕ ድሌት ኣስታት 15 ርዋንዳውያን ካብ ማእሰርቲ ኣቐዲማ ፈቲሓ።

ርዋንዳ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ይጥቀስ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0