አመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ናይ ቁጠባ እገዳ ኣንቢራ

Radio Erena: 04 November 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣመሪካ ምስ ኵናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ንዘቕረበቶ ቅድመ ኩነታት ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተወሳኺ ናይ ቁጠባ እገዳ ኣንቢሩ።

እቲ ምምሕዳር ባይደን ዘንበሮ እገዳ፣ ኢትዮጵያ እተፍርዮ ነገራት ናብ ኣመሪካ ብዘይታሪፍ ክኣቱ ካብ ዝተፈቕደላ ስምምዕ AGOA ምስራዝ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ 20 ዝሓለፈ ዓመታት፣ ካብዚ ናጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ AGOA፣ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ክትረክብ ምጽንሓ’ዩ ዝግለጽ።

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ካብዚ ናይ AGOA ስምምዕ ዝሰረዘትሉ ኣውራ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኸይበጽሕ ዝገበሮ ከበባ ከልዕል ብምጥላብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ካብ AGOA ከይትስርዛ ክምሕጸን እኳ እንተጸንሐ፣ ምምሕዳር ባይደን ብ1 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ግና እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣሎ።

ምስ ምስራዝ ካብ AGOA ተተሓሒዙ፣ ናብ ኣመሪካ ፍርያተን ናይ ዝልእካ ትካላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲኤን ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት በዚ ናይ ኣመሪካ እገዳ፣ ስራሕ ኣልቦ ከይኮኑ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ንማሊን ጊኒን’ውን ሕገ መንግስቲ ዘይተኸተሉ ስርዓታት ኣብ ስልጣን ብምምጽኦም፣ ካብ AGOA ኣጊዳቶም ኣላ።

ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ዝተመስረተAGOA፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ወፍሪን ቁጠባን ንምዕባይ ክሕግዘን ተባሂሉ፣ ፍርያተን ብዘይቀረጽ ናብ ኣመሪካ ክልእካ ዘተባብዕ ናይ ንግዲ ስምምዕ’ዩ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0