ኖርወይ ኢትዮጵያ ንክትሃንጾ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ሓገዝ ክትገብር’ያ

Radio Erena: 15 December 2019

ኖርወይ ኢትዮጵያ ንክትሃንጾ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ሓገዝ ከምእትገብር ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኖርወጃዊት መዘንኡ ኤርና ሶልበርግን፣ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መብርሂ፣ ኖርወይ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብፍላይ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምምዕባል ደገፍ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ብዕለት 11 ታሕሳስ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኖርወይ ኢትዮጵያውያን ደቀንስትዮ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝመጻሉ ስልጠናታት እውን ክትህብ ምዃና ተገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጀነራል ክንዱ ገዙ ተገኝ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ፈረንሳ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ብምክያድ ብዛዕባ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ዝሰጋገረሉ መደብ ምዝርራቦም ይዝከር።

ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ክህነጽ ምሽብሻባት ዝግበረሉ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብዚ ዓቕሚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተዳኺሙሉ ዘሎ እዋን፣ ብሃገራት ምዕራብ ተመዊሉ ዝምስረት ባሕሪያ ኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጥር ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት የተሓሳስቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0