ን5 ኣዋርሕ ኣዋርሕ ተቛሪጻ ዝጸንሐት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ኣርባዕተ ገጻት ጥራይ ሒዛ ዳግም ጀሚራ

Radio Erena: 04 September 2020

ልሳን መንግስቲ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛሪጻ ድሕሪ ምጽንሓ፣ ኣርባዕተ ገጻት ጥራይ ሒዛ ድግም ጀሚራ።

እታ ጋዜጣ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዛ፣ ናይ ወረቐት ሕትመት ይኹን ብኢንተርነት ዝነበራ ዝርግሐ’ያ ኣቛሪጻ’ያ ጸኒሓ።

ካብ 1 መስከረም ኣትሒዛ ግን፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ተዘርጊሓ ኣላ። እቲ ናይ ወረቐት ሕትመት ግና ዛጊት ኣይጀመረን።

እታ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሓ ዘለዋ’ውን ዝነበራ 12 ገጻት ሒዛ ዘይኮነት፣ 4 ገጻት ጥራይ’ዩ ዘለዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብመንግስቲ እትውነንን እንኮን ጋዜጣ ጥራይ ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ንበይና’ያ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0