ን43 ዓመታት ንኢኳቶርያል ጊኒ ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ

Radio Erena: 23 November 2022

ካብ 1979 ኣትሒዙ፣ ን43 ዓመታት ንኢኳቶርያል ጊኒ ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ቲዮዶር ኦብያንግ ንጉዌማ ባሳጎ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዘኽእሎ ምርጫ ተወዳዲሩ።

ውጽኢቱ ናይቲ ብሰንበት 20 ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ ኣባላት ባይቶን ፕረዚደንትን ዛጊት እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ንኣኩኡ ብዕልዋ ካብ ስልጣን ብምእላይ ነታ ሃገር ዝምርሕ ዘሎ ወዲ 79 ዓመት ንጉዌማ ተዓዊቱ ዝብል ዜና ብመንግስቲ ክቃላሕ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ እታ ሃገር ይገልጹ።

ምርጫ ኣባላት ባይቶ ኣብ 20 ሕዳር 2022 ምርጫ ፕረዚደንት ድማ ኣብ ሕዳር 2023 ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ወጻኢታት ንምቕናስ ተባሂሉ’ዩ ብሃንደበት ክልቲኡ ምርጫታት ኣብዚ ዝሕለፈ ሳልስቲ ክካየድ ተወሲኑ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለም፣ ን43 ዓመታት ስልጣን ብምብሓቱ፣ ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴድዮር ኦብያንግ ንጌማ ማሳጎ ክኸውን እንከሎ፣ ብ06 ሕዳር መበል 40 ዓመት ስልጣኑ ዝጸንበለ ፕረዚደንት ካሜሩን፣ ፖል ቢያ ድማ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ብምንዋሕ ዕድመ ስልጣን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ደርጃ ሒዙ ዝርከብ፣ ንኮንጎ ብራዛቪል ን38 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 78 ዓመት፣ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሚሴቬኒ ድማ ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ራብዓይ ኣሎ።

ወዲ 18 ዓመት እንከሎ፣ ኣብ 1986 ስልጣን ካብ ወለዱ ተረኪቡ ስዋዚላንድ ንእትብሃል ዝነበረት ሃገረ ኤስዋቲኒ ን36 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ’ውን ብፕረዚደንት ኡጋንዳ ብሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ተበሊጹ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሕዎ ብዝሒ ዓመታት፣ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0