ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሕዳር ስኽራን ወይ hangover ኔርዎ ክትብል ዝገለጸት መደበር ቴሌቪዥን ኬንያ፣ ይቕሬታ ሓቲታ

Radio Erena: 12 May 2022

ፕርዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልሳኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ቃል ዘየስመዐ፣ ሕዳር ስኽራን ስለዝነበሮ ወይ hangover ስለዝነበሮ’ዩ ዝብል ጸብጻብ ዘቕረበት መደበር ቴሌቪዥን ኬንያ ብወግዒ እቕሬታ ሓቲታ።

ንኬንያ ካብ 2002 ክሳብ 2013 ዝመርሐ ፕርዚደንት ነበር ሙዋይ ኪባኪ፣ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኡ፣ ኣብ 21 ሚያዝያ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፣ መራሕቲን ሰበ ስልጣናትን ኬንያ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ኣብ 29 ሚያዝያ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ።

ኣብ ኣብ ስታድዮም ስነ ስርዓት ምፍናው ሬሳ ካብ ዝተረኽቡ ፕረዚደንታት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ መጸናንዒ ቃል ከስምዑ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ዝተታሕዘሉ መደብ ኣየተግበረን።

እዚ ድማ ኣቐዲሙ ሰኺሩ ስለዝሓደረ ምዃኑ፣ ንሓደ ካብ ፖለቲካውያን ነጥፍቲ ደቡብ ሱዳን ብምውካስ KTN ዝተባህለት መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ጁባ ንዝርከብ ኣምባሳደር ኬንያ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምውጽዋዕ ብዛዕባ ‘ቲ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ዝቐረብ ጸብጻብ መብርሂ ክህበሉ ሓቲቱ።

ዝምድና ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ብኣሉታ ከይጽሎ ዝሰግአ መንግስቲ ኬንያ፣ ምስ ዲፕሎማሰኛታት ጁባ ጽዑቕ ርክባት ብምክያድ፣ ነታ መደበር ቴሌቪዥን ብወግዒ ይቕሬታ ንኽትሓትት ከምዘገደደ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተቓሊሑ።

እታ ቴሌቪዥን፣ ብ10 ግንቦት ኣብ ዘቕረበቶ ዜናን ብመንገዲ ዋና ኣሰናዳኢ ኣቢላ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝልኣኸቶ ደብዳቤን፣ ኣብ ልዕሊኡ ‘ዘይቅኑዕን ዘይእሩምን’ ቃላት ምጥቓማ ብወግዒ ይቕሬታ ምሕታታ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብ፣ መራሕቲ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ህዝባዊ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝርከብሉ እዋን፣ ብተዓዘብቲ ይኹን ማዕከናት ዜና ዝወሃብ ርእይቶታት፣ ንቡርን ዘየኽስስን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ግና ንመራሕቲ ብዝኾነ መልክዑ ምንቃፍ፣ ብስም ‘ምጥሓስ ስነ ምግባር’ ፍቑድ ከምዘይኮነ ‘ዩ ዝግለጽ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0