ንፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ

ንፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 17 November 2017

Mugabe and General

ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝኣለየ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ብሓባር ዘቖምዎ መንግስቲ ክቐውም ክፈቅድ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀንዲ ተቓዋሚ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ዝነበረን መራሒ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሞርጋን ቫንጊራይ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ሕክምና ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝተነግረሉ ሞርጋን ቫንጊራይ ብ15 ሕዳር ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ንሲኤንኤን ዘረጋገጹ ምንጭታት፣ ምምላሱ ምስ ምእላይ ፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን’ዮም ዘተሓሕዝዎ ዘለዉ።

ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣእትይዎ ዘሎ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ነቲ ፕረዚደንት ብወለንትኡ ስልጣን ከምዝሓደገ ንህዝቢ ክሕብር ይሓቶ ከምዘሎ’ውን ካብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ዝመሓላለፍ ዘሎ ዜና የመልክት።

ሓያሎ ወገናት እዚ ሰራዊት ዚምባብዌ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ “ወትሃደራዊ ዕልዋ’ዩ” እናበሉ ይገልጽዎ ኣለዉ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ እቲ ተርእዮታት ምስ ዕልዋ ከምዝመሳሰል ብምጥቃስ፣ ኣብ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ወትሃደራዊ ዕልዋ ከምዘይድግፍ ኣንፊቱ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋታት ንዝመጹ መንግስታት ከይቅበል ኣብ ቅዋሙ ከምዘስፈሮ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ንዝበዝሐ ትካላት መንግስቲ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ዚምባቤዌ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ መንግስቲ ንዝርከቡ ገበነኛታት ንምህዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ምእንቲ ድሕነቱ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዞ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0