ንጸዓት ብዝምልከት ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክጋባእ አዩ

ንጸዓት ብዝምልከት ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክጋባእ አዩ

eapicኤርትራ እትሳተፎ ንጸዓት ብዝምልከት ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ን21 መስከረም ኣብ ከተማ ናይሮቢ ክጋባእ አዩ።
ኣብቲ ብደረጃ ሚኒስተራት ተወዲቡ ዘሎ ንኣገልግሎት ጸዓትን ዕዳጋታቱን ብዝምልከት ‘ኢንዱስትሪ ጸዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ዝተሰምየ ዋዕላ፣ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘፍርዮኦ ሓይሊ ጸዓት፣ ምቕረሐን ጥጡሕ ዕዳጋን ኣብ ምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ተመኩሮ ምልውዋጥ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከተኩር ምዃኑ ካብ ናይሮቢ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ዕድመ ዝተገብረሎም ካልኦት ሚኒስተራት ጸዓት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም። ወከልቲ ሚኒስተራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዋዕላ ከምዝሳተፉ ከፍልጡ እንከለዉ፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ንጥፈታት ተገሊሉ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ግና ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።
ኣብ ዕለት 22 መስከረም ኣብ ዝካየድ ዘተ ንወፍሪ ጸዓት ብዝምልከት ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ጂቡቲን ደቡብ ሱዳንን ከምዘተኩር ወደብቲ’ቲ ዋዕላ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ንቁጠባውን ፋይናንስያውን ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ዝካየድ ዋዕላታት ብሰንኪ ግሉጽነት ዝጎደሎ ኣሰራርሑኡ ተነጺሉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0