ንጉስ  ስዑዲ ዓረብን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም

ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም

Radio Erena: 23 October 2015

Salhal

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ዘሎ ርክባት፣ ትማሊ ሓሙስ 22 ጥቅምቲ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘትዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ህሉው ጸጥታዊ ኩነታት እቲ ዞባ ከምዝተመያየጡ’ውን ካብ ሪያድ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝጥቐስ ሓያል ዲፕሎማሲ ዘለወን ሃገራት እኳ እንተዘይኮና፣ ሰብ ጸጋ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻን ካልእ ወፍርታትን ኣብ ንምክያድ ከምዝርከቡ ግና ይፍለጥ።

 

እዚ ናይ ትማሊ ርክብ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት’ውን ካብ ቁጠባን ምትሕግጋዝን ንላዕሊ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ እቲ ዞባ ዘተኮረ ምንባሩ ይግለጽ።

ንጉስ ሳልማን ኣቐዲሙ’ውን ምስ መራሕቲ ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡትን ዘትዩ’ዩ።

 ======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0