‘ንዝመጽእ 4 ዓመታት ምጥያስ ሰራዊት የለን’’ መንግስቲ ኤርትራ

‘ንዝመጽእ 4 ዓመታት ምጥያስ ሰራዊት የለን’’ መንግስቲ ኤርትራ

Radio Erena: 20 January 2019

ኣባላት ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ማእቶት ክሳተፉ ምዃኖም ከምዝተሓበሮም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ በበይኑ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት ሰራዊት፣ ብዘይዝኾነ ይኹን ወሰኽ ክፍሊትን፣ ናይ መነባብሮ ፍታሕን፣ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ኣገልግሎት ክቕጽል ምዃዩ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ከምዝፍለጥ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ‘ሰላም እንተኾይኑ ነናብ መነባብሮና ክንፋኖ’ ዝብል ምዕዝምዛማት ካብ ኣባላት ሰራዊት ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 22 ከምኡ’ውን ሓይልታት ኮማንዶ ዝተመደባ ኣባላት መበል 30 ዙርያ ተዓለምቲ፣ ካብ ዝተመደባሉ ኣሃዱታት ሃዲመን ናብ ስድራቤተን ይዕቆባ ከምዘለዋ ገሊጾም።

እተን ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ዝርከባ ሓደስቲ ደቀንስትዮ ካብ ኣሃዱታተን ዝሃድማሉ ዘለዋ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብሓለፍተን ዝወርድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ዝተሓወሶ ግፍዕታት ብምርኣየን ምዃኑ ይግለጽ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ’ዘን ኣሃዱታት ናብ ስድራቤት’ተን ሃዲመን ዘለዋ ኣባላት ኣብ ዝልእክዎ ዘለዉ ትእዛዝ፣ ወለዲ ደቆም ከረክቡ እንተዘይኮይኑ ክእሰሩ ምዃኖም የጠንቅቑ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዓዲ ፈለስቲ ዝዓዳ ኣባል መበል 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ነቲ ካብ ሓለፍታ ዝወረዳ ግፍዒ ብምቅዋማ፣ ኣብ ጋሕቴላይ ኣብ ጸሓይ ብምእሳራ ብዝወረዳ ናይ ጥዕና ጸገም፣ ህይወታ ከምዝሰኣነት ምንጭታትና ብተወሳኺ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0