ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ዋግ ኽምራ ግጭት ምክያዱ ተሓቢሩ

Radio Erena: 09 February 2023

ንክልላት ትግራይ እምሓራን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ዞባ ዋግ ኽምራ ግጭት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

መርበባት ዜና ኢትዮጵያ፣ ንምምሕዳር እቲ ዞባ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ እቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዝተኻየደ ግጭት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሚሊሻታት ኣምሓራን ምዃኑ ኣመልኪተን።

ኣብቲ ግጭት ብውሕዱ ክልተ ሚሊሻታት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን እቲ ምምሕዳር ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ ጥራሪ ወንዝ ከምኡ ድማ ወዲ ገብሩ ኣብ ዝተባህለ ቁሸታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፣ እቲ ግጭት ይቕጽል ምህላው ኣፈኛ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣገንዚቡ።

ዋግ ኽምራ፣ ምስ ክልል ትግራይ ብሰሜናዊ ሸነኽ ዝዋሰን ኮይኑ፣ ንከተማ ሰቖጣ ዘጠቓለለ ዞባ ክልል ኣምሓራ’ዩ።

እቲ ዞባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ሓይልታት ትግራይን ብሚሊሻታት ኣምሓራ ዝተደገፈ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ዘካይድሉ ከባቢታት ምዃኑ ይፍለጥ።

ብዛዕባ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ምሊሻታት ኣምሓራን ተኻይዱ ዝተባህለ ግጭጥ፣ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃብዎ መግለጺ የለን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0