ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ወኪል፣ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዘቕረቦ ጠለብ መልሲ ከምዘይረኸበ ገሊጹ

Radio Erena: 25 February 2021

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ወኪል ወይ ራፖርቱር፣ ዶክተር መሓመድ ዓብዱሰላም ባብከር፣ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ፣ ዘቕርቦ ጠለብ፣ ዛጊት ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

ንሱ፣ ኣብ መበል 46 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ንኽዝቲ፣ ካብ 21 ክሳብ 31 ጥሪ 2021 ናብ ኤርትር ክበጽሕ ብ18 ታሕሳስ 2020 ጠለብ እኳ እንተቕረበ፣ ክሳብ ሕጂ ናይ እወታ ይኹን ናይ ኣሉታ መልሲ ከምዘይተቐበለ’ዩ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ብዛዕባ’ቲ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸሞ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ገበናትን መርትዕታት ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

ዶክተር መሓመድ ዓብዱሰላም ባብከር፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትግራይ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበጽሖም ዘሎ በደላት ብዝምልከት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ደብዳቤ ከምዝጸሓፈ ሓቢሩ።

ብወገን ኤርትራ፣ ዛጊት ምምሕያሽ ዘርኣየ መሰላት ደቂ ሰብ ከምዘየለ ብምምዝኽኻር ድማ፣ ን26 ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ መሰኻኽር ጂሆቫ ምፍትሖም ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣብቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ብእምነቶም ዝተኣስሩ ኣማኢት ከምዘለዉን፣ ኣብ መሰል እምነትታት ዝተራእየ ምምሕያሽ ከምዘየለን ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት፣ ሰበ ስልጣን ነበር፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሰዓብቲ ዝተፈላለያ እምነታትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ዜጋታት፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕን ፍርዲን፣ ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ይርከቡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0