ንኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ብልዕሊ 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ስምምዕ ተኻይዱ

ንኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ብልዕሊ 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ስምምዕ ተኻይዱ

Radio Erena: 15 September, 2014

ethio Dji

ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ ብኣስታት 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ስምምዕ ተቢጺሑ።

እቲ ብድሬዳዋ ብቀጥታ ናብ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ 85 ሚእታዊት ወጻኢታቱ ካብ ናይ ቻይና ባንክ ብዝተረኽበ ልቃሕ ኮይኑ፣ ቻይናዊ ኩብንያ ክህንጾ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ’ዩ ተሓቢሩ።

ብኣዋሽ ናብ ጅቡቲ ዘራኽብ ካልእ መንገዲ እኳ እንተሎ፣ ካብን ናብን ውሽጢ ኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ንዝመላለስ መካይን ጻዕቒ ስለዘለወን፣ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ጸገም ክፈጥር ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

 

እዚ ብናይ ቻይና ኩብንያ ክህንጸ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ዘሎ መስመር ድሬዳዋ ጅቡቲ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ክርአ ዝጸንሕ ጸገም ክፍተሕ ልዑል ተሰፋ ኣሎ።

እቲ ጽርግያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ተወዲኡ ኣገልግሎት ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከባ ዓድታት ብፍላይ ድማ ንከተማ ድሬዳዋ ተወሳኺ ናይ ምዕባለ ኣፍደገታት ክኸፍተላ ምዃኑ ይጠቐስ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0