ንሱዳንን ኢትዮጵያን ንምቕርራብ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተወስደ ተበግሶ ንካልኣይ እዋኑ ፈሺሉ

Radio Erena: 07 May 2021

ብጉዳይ ዶብን ኣጠቓቕማ ናይልን ተተፋኒነን ዝርከባን ናብ ግጭት ድማ ዘምርሓን ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምቕርራብ፣ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተወስደ ተበግሶ ከምዘይተዓወተ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብዛዕባ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ ድማ ህሉው ዞባዊ ኩነታትን ብዝምልከት ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ንምዝርራብ፣ ብ04 ግንቦት ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ፣ እቲ ዝቐረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ።

ሱዳን፣ ካብ 6 ሕዳር 2020 ኣትሒዛ ኣብ ትሕቱ ቁጽጽራ ኣእትያቶ ዘላ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዝጸንሐ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኢትይጵያ ነዚ ምስ እትኣምን ጥራይ ናብ ዘተ ከም እትቐርብ’ያ ትገልጽ።

ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ናብ ዘተ ክትቐርብ እንተኾይና፣ ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር ዝነበረ ከባቢታት ክትስሕብ ትጠልብ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ብሓባር ወፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምቕርራብ፣ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክወስድ፣ ኣብዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ብደቡብ ሱዳን ዝተወስደ ተበግሶ ብመንግስቲ ሱዳን ተቐባልነት እኳ እንተረኸበ፣ ኢትዮጵያ ዘቐመጠቶ፣ ‘ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር ዝነበረ ግዝኣት ቅድም ትመለስ ዝብል ቅድመ ኩነት’፣ ብሱዳን ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ከምዝተዓንቀፈ ይዝከር።

ሱዳን፣ ሒዛቶ ዘላ ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ መሬት ጥራይ ዘይኮነ፣ ዲጋ ተሃድሶ ንዝህነጸሉ ዘሎ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል’ውን ‘ዋንነታይ’ዩ ትብል ኣላ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብወግዒ ተቓውምኡ ገሊጹ’ዩ።
========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ራድዮ ኤርና መዓስ ኢኹም ጹቡቅ ናይ ኤርትራ ትዛረቡ ኣክልኩም ምክፋእ ጥራይ ኣብ ኣኼባ ዝተኻፈልኩም ትመስሉ በግምት ተውሩዩ