ንሱዳናውያን ግዳያት ዕልቕልቕ፣ ረዲኤት ንምብጻሕ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ

ንሱዳናውያን ግዳያት ዕልቕልቕ፣ ረዲኤት ንምብጻሕ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ

ssudanሩባ ጋሽ ልዕሊ ዓቐን ብምምልኡ ኣብ ሱዳን ዝፈጠሮ ዕልቕልዕ፣ ናብ ዝተጠቕዑ ሱዳናውያን ረዲኤት ንምብጻሕ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ኤ.ኤፍ.ፒ. ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ንዘለዉ ዜጋታት’ታ ሃገር ዝግበር ናይ ቀዳማይ ረዲኤት መስርሕ፣ ናይ ጽርግያ መስመራት በቲ ዕልቕልቕ ስለዝተበላሸዉ፣ ካልእ መንገድታት ክናደይ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ይምሕጸኑ።

 

እቲ ዝሓሸ መንገዲ፣ መንግስቲ ሱዳን ሄሊኮፕተራት ከዋፍር እንከሎ ምዃኑ ዝሓበሩ ማሕበራት ግብረ ሰናይ፣ እንተኾነ እቲ መንግስቲ ኢድ የሕጺሩ ከምዘሎ’ዮም ዝኸሱ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከሰላ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘እቲ ዝተጠቕዐ ቦታታት ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ስለዝጸናሕና ንህዝቢ ረዲኤት ኣብ ምብጻሕ ኣይተሸገርናን፣ ነቲ ቅልውላው ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእቲናዮ ኢና’ ይብል። እንተኾነ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ሱዳናውያን፣ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ።

ውሕጅ ሩባ ጋሽ ካብ ቤት ንብረቶም ዘመዛበሎም ሱዳናውያን ኣብ በረኻታት ክነብሩ ብምግዳዶም ኣንጻር ኣራዊት በረኻ ጥራይ ዘይኮነ፣ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክሰትዩ ብምጅማሮም ኣብቲ ከባቢ ተላባዒ ሕማም ከየስፋሕፍሕ ዓቢ ስግኣት ከምዘሎ ተሓቢሩ። ድሮ ሓደ ህጻን ብተመን ተነኺሱ ከምዝሞተ ማሕበራት ግብረ ሰናይ የመልክታ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዜያት ሩባ ጋሽ ዕልቕልቕ ከኸትል ከምዝኽእል ኣመታቱ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝየን ተጠቒዐን ዘለዋ ግዝኣታት፣ ከሰላ፣ ሰናር፣ ደቡን ምዕራብን ኮርዶፋን፣ ከምኡ’ውን ሰሜን ዳርፉር ምዃነን ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0