ንምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ፣ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ነዳዲ የጋጥም

ንምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ፣ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ነዳዲ የጋጥም

Radio Erena: 14 October 2018

mekeleምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ትግራይ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ብፍኑው ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ምልውዋጥን፣ ምንቅስቓስ ህዝብን፣ ናብ ትግራይ ብሰንኪ ዝኣትዋ ዘለዋ መካይን፣ እቲ ሕጽረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ፣ ንቤት ምኽሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን’ቲ ዞባ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣመልኪቱ።

ወነንቲ’ዘን ካብ ኤርትራ ዝኸዳ ናይ ጽዕነት፣ ናይ ህዝቢ መጎዓዝያ፣ ናይ ውልቂ መካይን፣ ዋጋ ነዳዲ ካብ ኣብ ኤርትራ፣ ዝያዳ ኣብ ትግራይ ስለዝሓስረሎም፣ መካይኖም መሊኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ጽዒኖም’ውን ስለዝምለሱ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱም፣ ውቕሮን ዓድዋን፣ ሕጽረት ነዳዲ ምግጣሙ’ዩ ዝግለጽ።

ነዘን ከተማታት ናይ ነዳዲ ቀረብ ከማልእ ዝጸንሐ ትካል ‘ናይ ኢትዮጵያ ፐትሮልየም’ ብሰንኪ ዝጸንሖ ሕጋዊ መስርሕ፣ ኣገልግሎቱ ኣቋሪጹ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ስምምዕን ንግዳዊ ቅጥዕን ተኸፊቱ ዘሎ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ኣገልግሎታት መጎዓዝያ፣ ናይ ሸርፊን ምልውዋጥን ባጤራ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት ፈጢሩ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0