ንሕብረት ኣፍሪቃ ዳግመ ምትዕርራይ ንምግባር ዝቖመት ጉጅለ፣ ብቀዳም 15 ሰነ ኣብ ኪጋሊ ኣኼባ ኣካዪዳ

Radio Erena: 17 June 2019

ንሕብረት ኣፍሪቃ ዳግመ ምትዕርራይ ንምግባር ዝቖመት ጉጅለ፣ ብቀዳም 15 ሰነ ኣብ ኪጋሊ ኣኼባ ኣካዪዳ።

ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ብዘቕረበላ ዕድመ መሰረት ኣብ ኪጋሊ ዝተኣከበት እታ ጉጅለ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ መንፈቓዊ ኣኼብኡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከካዪድ መዲቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ትካላዊ ኣቃውማኡን ሓቚፉወን ዘሎ ኮሚሽናትን ዘጠቓለለ እቲ ዳግመ ስርርዕ፣ ወጻኢታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብ12 ሚእታዊት ከጉድል እውን መደብ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘዋጽኦኦ ገንዘብ ብገምጋም ናብ 115 ሚልዮን ዶላር ክብ ኢሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሓድሽ ኣቃውማን ቅርጽን ኣብ ዝሕዘሉ እዋን፣ ነቲ ንመላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቁፍ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቛም ወጺኡ ዘሎ መደብ ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝኸውን ኣባላት’ታ ሽማግለ የረድኡ።

ከምዝዝከር መላእ ኣፍሪቃ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቛም 52 ሃገራት’ታ ኣህጉር ክፍርማ እንከለዋ፣ ኤርትራ፣ በኒን ከምኡ’ውን ናይጀሪያ ገና መልሲ ኣይሃባን ዘለዋ።

ኣብ 2025 ዓመተ ምህረት ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ’ዚ ሓድሽ ኣቃውማ፣ ማዕረ ቁጽሪ ተሳታፍነት ደቀንስትዮን፣ ምክፍፋል ስልጣን ምስ መንእሰያትን ዘረጋግጽ ከምዝኸውን ኣብቲ ኣኼባ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0