“ንሓደ በርሚል ማይ ክሳብ 50 ናቕፋ ይሽየጥ ኣሎ፣” ፕረዚደንት ኢሳይያስ

Radio Erena: 22 May 2017

Water Asmara

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፣ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ግኑን ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብቦጣት ኣብ ዝዕድል ዘሎ ማይ ንሓደ በርሚል ማይ ክሳብ 50 ናቕፋ ይሽየጥ ምህላዉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብምኽንያት መበል 26 ዓመት ናጽነት ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ መንግስቲ ንሰብ ቦጣን ካብ ማይ ነፍሒ ብሕሳብ 39 ክሳብ 49 ሳንቲም ንበርሚል እናሸጠሎም፣ ንሳቶም ንህዝቢ ክሳብ ንሓደ ፊስቶ ብ50 ናቕፋ ይሸጡ ኣለዉ ክብል’ዩ ኣዕዘምዚሙ።

ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ህዝቢ ኣጨኒቑ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

 

ብሰንኪ’ዚ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ህዝቢ ሰሙናዊ ሓንቲ ፊስቶ ማይ ብኩፖን ንምርካብ ፊስቶታቱ ሰሪዑ ማይ ዝዕድላ ቦጣት ክጽበ ልሙድ ተርእዮ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ብምምሕዳር መንግስቲ ብዝዋፈራ ቦጣት፣ ንሓንቲ ፊስቶ ማይ ብኩፓን 10 ናቕፍ ክሽየጥ እንከሎ፣ ካብዚ ወጻኢ ድማ ንሓንቲ ፊስቶ ማይ ክሳብ 50 ናቕፋ ዝሽየጠሉ እዋናት ምህላዉ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሬድዮ ኤረና ምቕራቡ ኣይርሳዕን።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ግና ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ወከልቲ ህግደፍ “ሳላ ዝነበረ ህጡር ክራማትን ዝተሃንጸ ዲጋታትን ህዝቢ ናብ ራህዋ በጺሑ እናበሉ፣ ኣብ ዘጋውሕሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ኣስመራን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ከረንን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን፣ ኣብዚ 26 ዓመታት ዋሕዲ ዝስተ ማይ ክርአ እዚ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ብ20 ግንቦት ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ’ውን ብዛዕባ’ዚ ን26 ዓመታት መፍትሒ ዘይተረኽቦ ከቢድ ጸገም መንበሪ ኣባይትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝዓርግ ዘሎ ዋጋታት ክራይ ኣባይትን’ውን ኣብ ክንዲ ንምፍትሖም ብመንግስቲ ተዳልዩ ዘሎ እማመታት ብንጹር ዘቕርብ፣ ከም ናይ ወትሩ ንነጋዶን ደላሎን ብምውንጃልን ብምዕዝምዛም’ዩ ሓሊፍዎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ 2 ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ መጠይቑ ከም ናይ ወትሩ፣ ካብ ህሉው ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ወትሃደራውን ኩነታት ኤርትራ ብምህዳም፣ ዝበዝሐ ኣተኩሮኡ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራውያን ጉዳያት ዘድሃበ’ዩ ኔሩ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0