ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ኢሳቕ ኣብርሃም ዝርከቦም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዑቕባ ሓቲቶም

ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ኢሳቕ ኣብርሃም ዝርከቦም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena : 20 March 2015

 Isakንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ኢሳቕ ኣብርሃም ዝርከቦም ስለስተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ናብ ኢትዮጵያ ብምእታዉ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ምስ ነባር ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ኢሳቕ ኣብርሃምን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዘለዉ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣባላት ናይታ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ እትውነን ሬድዮ ባና ምንባሮም’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኢሳቕ ኣብርሃም፣ ስነጥበባውያን ምስ ዝርከብዎም ሓያሎ ጋዜጠኛታት ሬድዮ ባናን ሚኒስትሪ ዜናን ኣብ ለካቲት 2009 ድሕሪ ምእስሩ፣ ምስቶም ኣብ 2013 ብከቢድ መጠንቐቕትያ ብዋሕሱ ዝተለቑ’ዩ።

 

ሓደ ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተለቁ መንእሰያት ገጠምቲ ጸጋይ መሓሪ’ውን ካብታ ሃገር ብተመሳሳሊ ኣገባብ ወጺኡ ናብ ስወደን ድሕሪ ምእታዉ ምስ ሬድዮ ኤረና ሰፊሕ ቃለመጠይቕ ምክያድፉ ይዝከር።

መብዛሕቶም እቶም ብዘይዝኾነ ክሲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 10ታት ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን፣ኣብ መጋቢት 2013 ክልቀቑ እንከለዉ፣ ይርግኣለም ፍስሃ፣ ግርማይ ኣብርሃም፣ መልስ ንጉሰ፣ በረኸት ምስግና፣ ጴጥሮስ ተፈሪ (ወዲ ቐሺ)ን ባሲሎስ ዘሞን ድማ ኣብ ጥሪ 2015 ከምዝተለቁ ይዝከር።

 ኣዝዮም ብዙሓት ስነጥበባውያን ጋዜጠኛታትን በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናሰገሩ ዑቕባ ይሓቱ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0