ንህወሓትን ሸኔን ከም ሽበራውያን ጉጅለታት ክምዝገቡ ዝቐረበ እማመ፣ ባይቶ’ታ ሃገር ኣጽዲቑዎ

Radio Erena: 09 May 2021

ቆንስል ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ንህወሓትን ሸኔን ከም ሽበራውያን ጉጅለታት ክምዝገቡ ንዘቕረቦ እማመ፣ ባይቶ’ታ ሃገር ኣጽዲቑዎ።

ብወከልቲ ህዝቢ ዝቖመ ባይቶ መበል 13 ስሩዕ ዋዕላኡ ኣብ ዘካየደሉ፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብቆንስል ሚኒስተራት ዝቐረበ እማመ ብምቕባል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ንዝተፈጸመ ረብሻን ናዕብን፣ ንህወሓትን ሸኔን ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ ዘስዓቦ ኲናት ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሸሚሙዋ ብምህላዉ፣ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ጻዕርታት ክካየድ ብዝተፈላለዩ ወገናት ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ። እንተኾነ ነቲ ውድብ ከም ሽበራዊ ጉጅለ ምምዝጋቡ፣ ዋላ’ውን ነታ ዝደቐቐት ናይ ዘተ ተስፋ ዘጸልምት ስጉምቲ’ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት’ታ ሃገር ይገልጹ።

ብመሰረት’ዚ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ፣ ነዘን ክልተ ውድባት ጥራይ ዘይኮነ፣ ብደረጃ ውልቀሰብ ከይተረፈ ምትሕብባር ዘርኣየ ብማዕረ ብግብረ ሽበራ ክኽሰስ ስለዝኾነ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ገደብ ኣልቦ ስልጣን ዝህብ’ዩ፣ ዝብል ነቐፌታ ካብ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ይስማዕ።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካዪድ ትሸባሸብ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 31 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ድምጾም ክህቡ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ’ያ ትገልጽ።

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0