ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ፣ ኣብ ዳናክል ንዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ፓታሽ ናይ ዋንነት ፍቓድ ክወሃቦ ሓቲቱ

ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ፣ ኣብ ዳናክል ንዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ፓታሽ ናይ ዋንነት ፍቓድ ክወሃቦ ሓቲቱ

Radio Erena: 06 May 2016

po

ዳናካሊ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ደናክል ናይ ዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ናይ ዋንነት ፍቓድ ንምርካብ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓተተ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኩባንያ፣ ብሰኑ 2 ግንቦት’ዩ ናይ ዋንነት ፍቓድ ንምርካብ ዘድሊ መሕተቲ ቕጥዒ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪቡ።

እቲ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ዳናክል ናይ ዘካይዶ ናይ ፖታሽ ዕደና፣ ፍርያት ኣብ 2019 ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ከምዘለዎ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኩባንያ ፖል ዶናልድሶን ዝጠቕስ። 

 

50 ሚእታዊት ዳናክል ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ በቲ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ክውነን እንከሎ እቲ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓዝአ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ዝተፈላለ ማዕድናት ዝዋፈራ ብውሕዱ 16 ኣህጉራውያን ኩባንያታት ክህልዋ እንከለዋ፣ ፍርያቱ ናብ ዕደጋ ዘቕርብ ዘሎ ግና ኣብ ቢሻ ናይ ወርቂ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን’ዩ።

እቲ ኩባንያ፣ ነሓስን ዚንጎን ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ’ውን ኣብ ምድላዋት’ዩ ዝርከብ።

60 ሚእታዊት ናይቲ ናይ ቢሻ ፕሮጀክት ወኒኑ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሶን ናብ ዕዳጋ ካብ ዘቕረቦ ፍርያት ወርቂ፣ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ናይ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ከበርክት እንከሎ፣ ኣብዚ 3 ዓመታት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ መኽሰብ ከምዘረከበ ሓለፍቲ እቲ ኩባንያ ይሕብሩ።

ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን ፕሮጀክት ዕደና ዛራ’ውን ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0