ናይ ሓድነት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዘብቕዐ፣ ካብ መዝነቱ ብገዛእ ፍቓዱ ዝተኣልየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ገሊጹ

ናይ ሓድነት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዘብቕዐ፣ ካብ መዝነቱ ብገዛእ ፍቓዱ ዝተኣልየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 03 August 2016

Akol

ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ህቡብ ተቓዋሚ ፖለቲከኛታን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ነበርን ላም ኣኮል፣ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝምራሕ ናይ ሓድነት መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከምዝጸውዐ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ሕርሻ ነበር፣ ካብ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቓዱ ድሕሪ ምውራዱ ናይ ሓድነት መንግስቲ ከምዝሞተ ዝገልጽ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ኣብ ተኣፋፍፊ ኩነታት ኣብ ዝርከበሉ እዋን’ዩ።

መራሒ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ሓርነት ሱዳን ንደሞክራውያዊ ለውጢ ዝኾነ ላም ኣኮል፣ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ተሰዊሩ ዘሎ ተቓዋሚኡ ሬካ ማቻርን ግጭት ከምዝተኻየደ ብምርግጋጽ፣ እቲ ኣዋርሕ ጥራይ ዘቑጸረ ናይ ሓድነት መንግስቲ ክቕጽል ከምዘይክእል ኣረዲኡ።

 

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ዳግም ክውደቡ’ውን ጸዊዑ ኣሎ።

ብመሰረት’ቲ ኣብ ነሓሰ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ዕርቅን ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ወገን ሳልቫኪር፣ ሬክ ማቻርን ካልኦት ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገርን ዝተወከሉ 30 ኣባላት ሚኒስተራት እኳ እንተተመዘዙ፣ እቲ ናይ ሓድነት መንግስቲ ጸኒዑ ክቐውም ኣይከኣለን።

ምክትል ፕረዚደንት ንምዃን ናብ ጁባ ዝተመልሰ ሬክ ማቸር፣ ብዝተፈጥረ ሓድሽ ግጭት ድሕሪ ምስዋሩ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣብ ክንዲኡ ካልእ ምክትል ፕረዚደንት ሸይሙ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እቲ ሓድሽ ምክትል ፕረዚደንት ካብ ወገን ሬክ ማቻር ዝኾኑ ሓይሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሚኒስተራትን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣብ ከተማ ጁባ ጸጸኒሑ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ከኣ፣ እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ንግድን ካልእ ንጥፈታትን ንዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ብኣሉታ ጸልዩዎም ከምዘሎ ገሊጾም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0