ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሕጂ ኣብ ዝተፈጸመ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ካልኣይ ተዓዋቲ ኮይኑ። ብጫ ማልያ፡ ካብ ስጳኛዊ ኤንጀል ማድራዞ መንዚዑ ኣብ ዝባኑ ለቢስዋ

Radio Erena: 25 February 2022

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሕጂ ኣብ ዝተፈጸመ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ካልኣይ ተዓዋቲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነታ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ፊሑኽ እናበለ ከቛምታ ዝጸንሐ ብጫ ማልያ፡ ካብ ስጳኛዊ ኤንጀል ማድራዞ መንዚዑ ኣብ ዝባኑ ለቢስዋ።

ብጀካ ንብጫ ማልያ ንጻዕዳ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ’ውን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ኣእትዩ ዝርከብ፡ ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2020 ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ነዚ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ 6 መድረኻት ንምዕማም፡ 17 ሰዓታት 33 ደቓይቕን 13 ንኡስ ካልኢታትን ወሲዱሉ።

ምስ ናትናኤል ብሓንሳብ ብምምጻእ ኣብ ናይ ሎሚ መድረኽ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ዩክሬናዊ ኣናቶሊ ቡድያክ ካብ ክለብ ቴሬንጋኑ፡ ድማ ንናትንኤል ብ6 ካልኢታት ይስዕቦ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ውድድር ብ9 ካልኢታት ዶንግዩ ሓሙሻይ ተርታ ዝተሰርዐ፡ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም ሄኖክ ሙሉብርሃን ብወገኑ፡ ካብ ናትናኤል ብ16 ካልኢታት ተፈንቲቱ፡ ኣብ ብጫ ማልያ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ካልእ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ካብ ኮንቲነንታል ክለብ ቴሬንጋኑ፡ ብ2 ደቓይቕን 11 ካልኢታትን ድሒሩ ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድር 8ይ ተርታ ሒዙ ብምህላዉ፡ ሰልሰቲኦም ኣብ’ዚ ዙር ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም ኣለዉ ማለት እዩ።

ዙር ርዋንዳ ጽባሕ ቀዳም ብናይ 152.6 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ ክቕጽል እዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0