ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ 112 ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም

ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ 112 ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም

Radio Erena: 11 January 2016

Som

ኣስታት 200 ስደተኛታ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ከምዝጠሓለት ተገሊጹ።

እታ ናብ የመን ንምስጋር ዝሓለኑ ስደተኛታት ዝዓነት ጃልባ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ድሕሪ ምብጋሳ ብዙሕ ከይርሓቐት’ያ ብዓርቢ 8 ጥሪ 2016 ጥሒላ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ርእሰ ምምሕዳር 75 ስደተኛታት ከድሕኑ እንከለዉ፣ 112 ከኣ ጥሒሎም ከምዝሞቱ የረጋግጽ።

 

ካብ ሞት ዝደሓኑ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢ በርበራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ተዓቝቦም ኣለዉ።

ብምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ኣመሓዳሪ ናቲ ሓደጋ ምጥሓል ዘጋጠመሉ ዞባ ሳናግ ኣሕመድ ዓብዲ ፋላይ የመልክት።

ዓመታዊ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ኣሽሓት ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብመንገዲ የመን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንምእታው ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጥሕሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0