ናብ ኮሌጃት ዘእቱ ነጥቢ ዘየምጽኡ ኣባላት 29 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ጋሕተላይን ከባቢ ዓዲ ሓሎን ይወርዱ፣ ኣባላት 27 ዙርያ ናብ ዓዲ ኣቤቱ ይሰሓቡ

ናብ ኮሌጃት ዘእቱ ነጥቢ ዘየምጽኡ ኣባላት 29 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ጋሕተላይን ከባቢ ዓዲ ሓሎን ይወርዱ፣ ኣባላት 27 ዙርያ ናብ ዓዲ ኣቤቱ ይሰሓቡ

Radio Erena: 03 August 2016

29 zurya

ናብ ኮሌጃት ዘእቱ ነጥቢ ዘየምጽኡ ኣባላት 29 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምሉኦም ናብ ጋሕተላይን ከባቢ ዓዲ ሓሎን ድሕሪ ምውራዶም፣ ብብዝሒ ይሃድሙ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ፣ መብዛሕቶም ኣባላት 27 ዙርያ ከካብ ኣሃዱታቶም እናተሳሕቡ ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣቤቶ ይእከቡ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ምኽንያት ምስሓብ ኣባላት 27 ዙርያ ካብ ኣሃዱታቶም ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ “ስልጠና ብምሃብ ስሩዕ ደሞዝ እናተገብረሎም ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ’ዮም፣” ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ይዝርጋሕ ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

 

እቶም ኣብ ጋሕቴላይን ከባቢ ዓዲ ሓሎን ተኣኪቦም ዘለዉ፣ ናብ ኮሌጃት ዘእቱ ነጥቢ ዘየምጽኡ ኣባላት 29 ዙርያ ንቦታ እቶም ተሳሒቦም ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣቤቶ ዘለዉ ኣባላት 27 ዙርያ ክትክኡ ትጽቢት ከምዘሎ ይንገር።

ብጉዳይ እቲ ምስ ባርነት ዝጽብጸብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብሰንኩ ዝስዕብ ዘሎ ዋሕዚ መንእሰያትን፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ይገጥሞ ብምህላዉ፣ እቲ መንግስቲ ሓንሳእ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዘውርዶ ካልእ እዋን ከኣ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግግሎት ስሩዕ ደሞዝ ክገብር ከምዝጀመረ’ዩ ብመንገዲ ሰበ ስልጣናቱን ዲፕሎማሰኛታቱን ንዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝገልጽ ዘሎ።

እንተኾነ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዘይወረደን፣ እቲ ወሰኽ ደሞዝ ዝተባህለ ከኣ ብምዕሩይ ኣብ ኩሉን ከምዘይተተግበረን ዝፍለጥ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0