‘ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል፣ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾነ፣ ክዝተየሉ የብሉን’ ሚኒስተር ዜና ሶማል

Radio Erena: 27 July 2021

ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል፣ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾነ፣ ክዝተየሉ ከምዘይብሉ ሚኒስተር ዜና ዑስማን ኣቡበከር ዱበ ገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ ሚኒስተር፣ ወትሃደራት ሶማል ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ እኳ እንተተኣመነ፣ ከም ኣብ ኩለን ሃገራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ዝተኻየደ ወትሃደራዊን ጸጥታውን ስምምዓት’ውን፣ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾነ ብፖለቲከኛታት ናብ ዘተ ክወረድ የብሉን ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ስምምዓት፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዝልዓለ ምስጢር’ዩ ዝተሓዝ ዝበለ ሚኒስተር ዱበ፣ ፖለቲከኛታት ሶማል ግና ነዚ ክቡር ሃገራዊ ዕላማ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዶሞ ድሕሪ ምባሉ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደገኛ’ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ንሱ ነዚ ከምዝገለጸ ዝሕበር ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ሮብለ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኤርትራ ምስ ተላእኩ ደሃዮም ጠፊኡ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራት ሶማል ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ክህብ፣ ብኣባላት ፓርላማ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ከምዝነበሩ ብወግዒ ዝገለጹ ሓሙሽተ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ኣፍጎየ፣ ብሓደ ዓርኵ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ዝርዝራዊ መግለጺ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ስምምዕን ብዛዕባ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራትን መግለጺ ክህብ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያትን ምክልኻልን፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ከምኡ ድማ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡዋ፣ ነቲ ጉዳይ እትምርምርን እተጻርን ኮሚተ ኣቝሙ ይርከብ።

ካብ መወዳእታ 2019 ኣትሒዙ፣ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ዝግመቱ ወትሃደራት ሶማል ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ከምዝተላእኩ ዝሕብራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ኣማኢት ካብኣቶም፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝሞቱ የመልክታ።

 

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0