ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ኣፍልጦ ኔሩዋ ዝተባህለት ኣባል ስለያ ሶማል ተቐቲላ ተረኺባ

Radio Erena: 06 September 2021

ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ኣፍልጦ ኔሩዋ ዝተባህለት ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል መንነቶም ብዘይተፍልጡ ሰባት ተቐቲላ።

እታ ኢክራን ታሕሊል ፋራሕ ዝተባህለት: ጓል 24 ዓመት ኣባል ስለያ፣ ክኢላ መርበብ ቴክኖሎጂ ኮይና፣ ካብ 26 ሰነ ኣትሒዛ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውያ’ያ ጸኒሓ።

ኣብዚ ሳልስት’ዚ ድማ ሞይታ፣ ረሲኣ ተደርብዩ ከምዝረኸቦ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ኣረጋጊጹ።

እቲ ትካል፣ ካብ 2017 ኣትሒዛ ኣባሉ ኮይና ዝጸንሐት ኢክራን ታሕሊል፣ ኣልሸባብ ከምዝጨወያን ከምዝቀተላን’ዩ ወቒሱ።

ይኹን’ምበር ኣልሸባብ ነታ ኣቐዲማ’ውን ኣማኻሪት ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾ ዝነበረት ጓለነስተይቲ ከምዘይጨወያን ከምዘይቀተላን ኣፍሊጡ።

ካብ ህዝቢ ጸቕጢ ዝበዝሖ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሓሰን ሮብለ፣ ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ያሲን ፋሃድ፣ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ሓተቲ።

ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝተላእኩ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ሓላፊ ስለያ ሶማል፣ ያሲን ፋሃድ፣ ብዛዕባ ቅትለት እዛ ኣባሉ ይኹን ብዛዕባ’ቲ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳስር ጉዳይ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ነቲ ጉዳይ ከተጻሪ ዝተመዘዘት ኮሚተን ምሉእ ሓበሬታ ክህባ ድዩ ኣይፋሉን ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0